Fana: At a Speed of Life!

ጋናዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ራፋኤል ድዋሜና ኣብ ማእኸል ፀወታ ህይወቱ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊግ ኣልባኒያ እናተፃወተ ዝነበረ ጋናዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ራፋኢል ዳዋሜና ሚዛኑ ስሒቱ ምስወደቐ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣልባኒያ ኣፍሊጡ፡፡

ወዲ 28 ዓመት ራፋኤል÷ ኣብ ሱፐርሊግ ኣልባኒያ ትሳተፍ ጋንታ ኢግናቲያ ምስ ጋንታ ፓርቲዛኒ እናተፃወተ እናሃለወ ሃንደበት ኣብ ዝወደቐሉ ቅፅበት ህይወቱ ሓሊፋ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ምስ ሕማም ልቢ ተተሓሒዙ ኩዕሾ እግሪ ምፅዋት ጠጠው ንኸብል ተነጊሩዎ ከምዝነበረ ቢ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡

ድዋሜና ኣብ ዘበነ ውድድር እዚ ዓመት ኣብ ሊግ ኣልባኒያ ትሽዓተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኸብ መቑፀሪ ሽቶ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ሃንደበታዊ ሕልፈት እቲ ተፃዋቲ ስዒቡ ኣብ ሊግ ኣልባኒያ ዝግበሩ ፀወታታት ናብ ካሊእ መዓልቲ ተመሓላሊፎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.