Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ትግራይ ክሳብ 24 ጉንበት ሪፖርት ንኸቕርባ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ትግራይ ክሳብ 24 ጉንበት ሪፖርት ንኸቕርባ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ሓቲቱ።

ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዘጋጠመ ኲናት ካብ ውድድር ርሒቐን ዝፀንሓ ጋንታታት ትግራይ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ምኽክር ገይረን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ልዕሊ እተን ክለባት ዝበፅሐ ዕንወትን ኣብ ቀፃሊ ናብ ምንቅስቓስ ዝምለሳሉ ኩነታትን ብምድሃብ ዓሚቕ ልዝብ ተገይሩ፡፡

ይኹን እምበር በተን ጋንታታት ዝቐረበ ፀብፃብ እኹል ኮይኑ ብዘይምርካቡ፤ ክሳብ 24 ጉንበት ሪፖርት ዛዚመን ንኸረክባ ብፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ገደብ መዓልቲ ተዋሂቡወን።

ካብዚ ብተወሳኺ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ እቲ ኽልል ሎሚ መዓልቲ ትሽዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ቀፀልቲ ስጉምቲታት ኩዕሾ እግሪ እቲ ክልል ዘፅንዕ ኮሚቴ ቴክኒክ ከምዘጣይሽ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኮሚቴ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይ ተሳትፎ ዝነበሮም ውልቀ ሰባትን ኣሰልጠንቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.