Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናተረፋ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምዃና ኣረጋጊፃ።

ሎሚ መዓልቲ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምስ ሃድያ ሆሳዕና ዘራኸበ መበል 29 ሰሙን ፀወታ÷ 9፡00 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩንቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ሃድያ ሆሳዕናን 2 ን 0 ስዒራ፡፡

ቸርነት ጉግሳ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታን እስማኤል ኦሮ ኣጎሮ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀወታን እተን ሸቶታ ብምምዝጋብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተዓዋቲት ክትከውን ገይሮምዋ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናተረፋ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምዃና ኣረጋጊፃ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.