Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ንምፍራም ምስ ዌስትሃም ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ክብረ ወሰን እታ ጋንታ ብዝኾነ ዋጋ ንምፍራም ምስ ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ተስማዕሚዓ።

ኣርሰናል ንወዲ 24 ዓመት ተፃዋቲ ንምዝውዋር 100 ሚሊየን ፓውንድ ክፍሊት ከምኡ እውን ተወሳኺ 5 ሚሊየን ፓውንድ ውፅኢት እናተርኣየ ዝኽፈል ወፃኢ ክትገብር ኢያ፡፡

እታ ጋንታ ንመዘዋወሪ ዲክላን ራይስ ዘቕረበቶ 100 ሚሊየን ፓውንድ ክፍሊት ኣብ 18 ኣዋርሕ ንጋንታ ዌስትሃም ክትከፍል ኢያ።

ኣርሰናል 100 ሚሊየን ፓውንድ ዘውፀአሉ ዲክላን ራይስ ናይ ዝኾነ እዋን ክባር ተፃዋቲ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ቅድም ክብል ኒኮላስ ፔፔ ካብ ሊል ብ72 ሚሊየን ፓውንድ ዘፈረመትሉ ና ዝውውር ዋጋክብረ ወሰን እታ ጋንታ ነይሩ።

ጋንታ ኣርሰናል ኣብ ዝውውር እዚ ክረምቲ ኣቐዲሙ ካይ ሃቨርትስ ምፍራማ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ተፃዋቲ ጋንታ ሌስተርሲቲ ጄምስ ማዲሰን ናብ ቶተንሃም ከምኡ እውን ሓላዊ ልዳት ጋንታ ቼልሲ ኤድዋርድ መንዲ ናብ ኣል ኣህሊ ዝገብሩዎ ዝውውር ኣብዚ ሰሙን ዝተዛዘሙ ዝውውራት ኢዮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.