Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሃገርን ህዝቢን ስግኣት ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ናይ ምድኻም ወፍሪ ሽቶ እንተይተሳኸዐ ቃልሲ ጠጠው ኣይብልን – ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሃገርን ህዝቢን ስግኣት ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ናይ ምድኻም ወፍሪ ሽቶ እንተይተሳኸዐ ቃልሲ ጠጠው ከምዘይብል ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

እቲ ክልል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዘጋጠሞ ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት መሊስካ ንምጥያሽ መንግስቲ እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ፥ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ ወፍሪ ህልውና ብቃልሲ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ሚሊሻን ዓወት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

እቲ ዓወት ኣብ ግምባር ካብ ምቅላስ ጀሚሩ ብፕሮፓጋንዳ፣ ብሓበሬታን ሚዲያን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተቃለሱ ኣካላት ዝመፅአ ዓወት ስለዝኾነ መንግስቲ እቲ ክልል ምስጋና ኣቕሪቡ።

የጦርነቱ ግብ ሆኖ የተቀመጠው አሸባሪው ህወሓትን ዳግም የኢትዮጵያ እና የአማራ ህዝብ ስጋት በማይሆንበት ደረጃ ማድረስ መሆኑን ገልፀው ከዚህ አንፃር በርካታ ስራዎች በመቅረታቸው የክልሉ መንግሥት እስከ ድሉ ፍፃሜ ድረስ አበክሮ እንደሚሠራም ገልፀዋል

ሽቶ እቲ ኲናት ተገይሩ ዝተቐመጠ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ስግኣት ኢትዮጵያን ህዝቢ ኣምሓራን ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ምብፃሕ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ግዛቸው፥ ብመንፅር እዚ ብዙሓት ስራሕቲ ስለዝተርፉ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ክሳብ መወዳእታ ዓወት ጠንኪሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ብወራር ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝዓነዉ ትካላትን መሊስካ ንምጥያሽን ስራሕቲ ህንፀት ከምዘድሊ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣንፈት ኣቐሚጡ ብምሕባር፥ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን፣ ሰብሃፍቲ፣ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ትዮጵያውያንን ካልኦትን ርብርብ ንኽገብሩ ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለፂ ፃውዒት ምቕራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.