Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ ማሕበራት ሕበረት ስራሕን ዩኒየናትን ዘረፋን ዕንወትን ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ 3 ሺሕን 228 ማሕበራት ሕበረት ስራሕን ዩኒየናትን ዘረፋን ዕንወትን ከምዘብፀሐ ኮሚሽን ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲን ንብረትን ህዝቢ ብዘብፀሖ ዘረፋን ዕንወትን ልዕሊ 25 ቢሊየን ብር ከምዝግመት እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ልጃለም ገዳሙ፥ እቲ ጉጅለ 3 ሺሕን 127 ማሕበራት ሕብረት ስራሕ፣ 22 ዩኒየናትን 79 ቤት ፅሕፈታት ናይ ወረዳን ዞባን መዋደድቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከምዝዘረፈን ዕንወት ከምዘብፀሐነን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሸሞንተ ትራክተራት ሕርሻ ሓዊሱ ብዙሓት ተሸከርከርቲ፣ ጃልባታት መዝፈፊ ዓሳን ካልት ናውቲ መገልገሊ ናውቲን ዘሪፉ፣ ዘይከኣሎም ድማ ኣዕኒዩ ኢዩ ኢሎም እቶም ሓላፊ።

እተን ማሕበራት፣ ዩኔናትን ኣቢያተ ፅሕፈትን ናብ ንቡር ስረሐን ንምምላስ 30 ቢሊየን ብር ዝኸውን ገንዘብ ከምዘድሊ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.