Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ቢዝነስ ግሩፕ ኤም ኤስ ኤ 900 ሚሊየን ዝግመት ዕንወት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፍርያት ዘይቲ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእ ቢዝነስ ግሩፕ ኤም ኤስ ኤ 900 ሚሊየን ዝግመት ዕንወት ምብፅሑ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ታምራት ሞላ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንከተማ ኮምቦልቻ ብወራር ሒዙ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ክልተ ፋብሪካታት ቢዝነስ ግሩፕ ኤም ኤስ ኤ ልዑል ዕንወት ኣብፂሑ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣባላት እቲ ጉጅለ 900 ሚሊየን ብር ኣብ ዝግመት ንብረት እቲ ትካል ዕንወት ከምዘብፅሑሉ ገሊፆም፡፡

ንብረት እቲ ትካል ዝኾና 8 ተሸከርከርቲ በቲ ጉጅለ ተዘሪፎም ከምዝተወሰዱ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ መብዛሕተኦም ናውቲ ቢሮን መፍረይቲን ክልቲኦም ፋብሪካታት ከምዝዓነዉ ኣብሪሆም፡፡

ኤም ኤስ ኤ ኤክስፖርትን ኣማር ፒፒን ዝተብሃሉ ክልቲኦም ዓበይቲ ፍብሪካታት፥  ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዕድለር ስራሕ ከምዝፈጠሩ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብብስራት መንግስቱ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.