Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጋሊኮማ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣመልኪቱ ናይ 3 መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ፈንቲ ረሱ መዓስከር ጋሊኮማ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣመልኪቱ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ንኽኸውን መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣዊጁ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ወ/ሮ ኣሚና ሴኮ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዘብፀሖ ጨፍጫፍ ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ከምዝነበረ ብምግላፅ መንግስቲ እቲ ክልል እውን መሪር ሓዘን ምኽንያት ብምግባር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀ ገሊፀን።

እቲ ዘስካሕኽሕ ጭፍጨፋ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ሎሚ መዓልቲ 5 ነሓሰ 2013 ዓ.ም መዓልቲ ሓዘን ንኽኸውንን ባንዴራ ክልል ዓፋር እውን ትሕት ኢሉ ንኽልብለብ መንግስቲ እቲ ክልል ወሲኑ።

ታሪኽ ዘይርሰዖ ህይወት 107 ህፃናት፣ 89 ደቂ ኣንስትዮን 44 ሽማግለታትን ዝቐዘፈ ኣረመኔያዊ ጭፍጨፋ፥ እቲ ጉጅለ ሃንደበት ብዝኸፈቶ ብኸቢድ መሳርሒ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ንፁሃን ሰበኽ ሳግም ከምዝተቐተሉን ከምዝቖሰሉን ከምኡ እውን ኣብ መኽዚን ዝነበረ ንህፁፅ ሓገዝ ዝውዕል ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነወ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.