Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣፅዋሩ እንትውድእ ብመልሓሱ ምትኳስ ጀሚሩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣፅዋሩ እንትውድእ ብመልሓሱ ምትኳስ ከምዝጀመረ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ብዝበፅሖ ከቢድ ውቅዒት ካብ ዝተበታተነ ወራሪ ሓይሊ፥ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ብኣንፈት ቦሩ ሜዳ ኣብ ሩባታት፣ ጣሻታትን ገደላትን ተሓቢኡ ፀኒሑ ነይሩ።

ንመዓልቲታት ድሕሪ ምሕባእ ጥሜትን ፃምእ ማይን ምስከበዶ እምታ ተኹሲ ብምኽፋት ካብ ጉድጓ እናወፅአ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ንምድንጋር ፈቲኑ ኢዩ ኢሉ።

ኣንጭዋ ካብ ጉድጓዳ ብዝረሓቐት ቁፅሪ ከምትውቃዕ፤ ዝተቖረፀ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እውን ከምዝተወቕዐ ገሊፁ።

ዝተቖረፀ ሓይሊ ናብ ሲኦል እናተፋነወ ኣብ ዝርከበሉ፣ ብውሽጢ ዘሽለኾም ሓይሊታት እቲ ጁንታ፥ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ከምዝተቖፃፀረ ብምምሳል ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ እናነዝሑ ይርከቡ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻልን መላእ ሓይሊታት ፀፅታን ነዞም ባንዳታት ብምልቃም ስጉምቲ እናወሰደ ይርከብ ኢሉ።

ኣብ  ሜዳ ይኹን ካብ ቦሩ ሜዳ ርሒቖም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኣብ ኢድ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝርከቡ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ናይ ሕሶት ወረ ፈጠርቲ ይኹኑ ዘመሓላለፉ ናብ ሕጊ እናቕረበ ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ህዝቢ ከተማ ደሴ ነቲ ግብረ ራዕዲ ዝስዕሮ ብፅንዓትን ብቃልሲን ጥራሕ ኢዩ ዝበለ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ፥ “ብወረ ዝተሃነፀ ከተማ ስለዘየለ፣ ብወረ ዝተሓዝ ከተማ ኣይህሉን! ህሉ እውን ኣይኽልን!” ክብል ገሊፁ፡፡

የመንግስት ኮሙኒኬሽን አገልግሎት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.