Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ  ህወሓት ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ንምሽፋን ኣውያቱ ቀፂሉ –  ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ  ህወሓት ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ንምሽፋን ኣውያቱ ቀፂሉ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ 28 ሰነ 2020 ዓ.ም.ፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ዕድል ንምሃብ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እንተተኣወጀ እውን እቲ ጉጅለ ግን ዝተውሃቦ ኣማራፂ ሰላም ኣብ ክንዲ ምጥቃም ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰለማዊያን ሰባት ጉድኣት ምብፃሕ ምቕፃሉ ኣብሪሁ።

እቲ ጉጅለ ውድቀቱ ንምሽፋንን ህዝባዊ ንምግባርን ህዝቢ ትግራይ ”ከጥቅዕ ምስ ዝመፅአ ሓይሊ ንምደረሓን ክብል ዝኣተኹዎ ጦርነት ኢዩ” እናበለ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክውዝዕ ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ግጅለ ኣብ ዝሓዞም ቀጣናታት መቕተልቲ፣ ዕንወት ንብረትን ወረራን ኣዚዩ ተስፋሕፊሑ ኣሎ። ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብዚ ቅነ ከምበሓዱሽ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ መጥቃዕቲ ዝኸፈተ እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ወሎን ዓፋር ጨፍራን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ከምዘብፅሐ ተሓቢሩ።

ከበድቲ ኣፅዋራት ኩናት ክሳብ 30 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ብምትኳስ ካብ ሰላሳ ዘይውሕዱ ንፁሃን ከምዝቐተለ ገሊፁ።
እተ መጥቃዕቲ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስቲዮ፣ ዓበይቲ፣ ግድኣት ኩይናትን ሽማግለታትን ማዕኸል ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወረራን መጥቃዕቲን ይፍፅም ብምህላዉ መንግሰቲ ብምስታውዓል ብዝወሰዶ ዝተተለመ መጥቃዕቲ ብምፍርራስ፣ ስዕረቱ ንምክሕሓስ ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ብፅሑለይ ፃውዒት የቕርብ ኣሎ ኢሉ ኢቲ መግለፂ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.