Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምጥፋእ ህዝባዊ ሓድነት ወሳኒ መሳርሒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ሰባት እናዘረፈ፣ እናሳቐየን እናቐተለን ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምጥፋእ ህዝባዊ ሓድነት ወሳኒ መሳርሒ ከምዝኾነ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ገሊፁ።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣየተ ታዬ ጉዲሳ ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብሕቡእ እናተንቀሳቐሰ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልተ ወረዳታት እቲ ዞባ ብፍላይ ንሓረስቶት ብግፍዒ ብምቕታልን ብምዝራፍን ፀግዒ ጭካንኡ እናርአየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ፣ ኣብ ስርቂን ዘረፋን ዝተዋፈረ ፀላኢ ህዝቢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣመሓዳሪ፥ “ካብ ዘረፋ ሓሊፉ ንሓረስቶትን ብምዕጋት፣ ብምስቓይን ብምቕታልን ብዙሕ ግፍዒን መከራን እናብፀሐ ይርከብ” ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምጥፋእ ህዝባዊ ሓድነት ወሳኒ መሳርሒ ከምዝኾነን ህዝቢ ብሓባር ክዋጋእ ከምዝግበኦን ኣገንዚቦም ክብል ግዜኢ ፅብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.