Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሸኔ እናተጠቐመሎም ዝነበሩ ጦር መሳርሒታት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኑኑ ቁምባ ብዝተኻየደ ዝተዋደደ ወፍሪ ግብረ ራዕዲ ሸኔ እናተጠቐመሎም ዝነበሩ 606 ዝተፈላለዩ ጦር መሳርሒታት ን 1 ሺሕን 56 ጠያይቲን ተታሒዞም።

እቶም ጦር መሳርሒታት ካብ ሕበርተሰብ ዝተዘረፉ ከምዝኾኑ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ጌታቸው ግርማ ገሊፆም።

ካብቶም ጦር መሳርሒታት ብተወሳኺ 800 ኩንታል ዝተፈላለዩ ዓይነታት እኽሊን ሸኔ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ደምቢ ክዳውንቲን ከምዝተትሓዙ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ነጋሽ ኣለማየሁ ተዛሪቦም፡፡

እቶም መሳርሒታት ተታሒዞም ዘለዉ ካብ ዝተቐበሩሉን ምስ ሕብረተሰብን ብምውዳድ ብዝተኻየደ ኦፕሬሽን ከምዝኾነ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ወለጋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.