Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ይኹን ወራሪ ሓይሊ ንምድምሳስ ኣብ ዘተኣማምን ወታደራዊ ቁመና ንርከብ – ሜጄር ጀኔራል ናስር ኣባዲጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”መንግስቲ ብዝህበና ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ግብረ ራዕዲ ይኹን ወራሪ ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ንምድምሳስ ኣብ ዘተኣማምን ወታደራዊ ቁመና ንርከብ” ክብሉ ሜጄር ጀኔራል ናስር ኣባዲጋ ገሊፆም።

ኣብ እዚ ደቡብ ዘርከብ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ካብ ዝኾነ ይኹ ኣንፈት ክፍኖ ዝኽእል መጥቃዕቲ ምምካት ኣብ ዘኽእል ብርኪ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፁ።

ዋና ኣዛዚ እቲ ክፍለ ጦር ሜጄር ጀኔራል ናስር ኣባዲጋ፥ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዘን ሰዓትን መንግስቲ ብዝህበና ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ግብረ ራዕዲ ይኹን ወራሪ ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ንምድምሳስ ኣብ ዘተኣማምን ወታደራዊ ቁመና ንርከብ” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መካናይዝድ ክፍለ ጦር ንእግረኛ ሓይሊ ሓገዝ ተኹ ንመሃብን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድን ድልዉነቱ ከምዘረጋገፀ ምሕባሮም ካብ ሰራዊት ምክልኃል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.