Fana: At a Speed of Life!

ግብ ረራዕዲ ህወሓት ንዝገብሮ ትንኮያ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ስጉምቲ ዝወስዱሉ ኣንፈት ተቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብ ረራዕዲ ህወሓት ንዝገብሮ ትንኮያ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ኣብ መፅናዕቲ ተደሪኾም ስጉምቲ ዝወስዱሉ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ መድረኽ ዘተ፥ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ፌዴራልን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ኣብ ሃገራዊ ኩነታት ፀፅታን ቀፃሊ ኣንፈትን ትኹረት ገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለትሉ ኣንፃራዊ ሰላምን ፀፅታን ኣጠናኺርካ ምቕፃል፣ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ደው ምባልን ብምኽንያት እቲ ኵናት ዝተፈጠሩ ዘይስሩዓት ውዳበታት ቅርፂ ምትሓዝ ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ብፍላይ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገብሮ ትንኮያ ስዒቡ ስጉምቲታት ዝውሰደሉ ኣግባብ ኣንፈት ተቐሚጡሉ።

ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፥ ኣብ ቀፃሊ ስግኣት እታ ሃገር ክኾኑ ዝኽእሉ ጉዳያት ካብ ብሕዚኡ መስመር ምትሓዝን ስጉምቲ መስተኻኸሊን ክውሰድ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

“ፀገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ሰላም እቲ ዞባ ምሕላውን ሃገራዊ ርክባት ኣብ ምጥንኻርን እውን ኣንፈት ተቐሚጦም ኢዮም” ኢሎም።

ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብሃም በላይ ብግደኦም፥ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዳውያን ብምግምጋም ዝጉምቲ ምውሳድ ዝከኣለሉ ኩነታት ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ራዕዳውያን ስጉምቲ ምውሳደድ ዝተመልከተ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣብሪሆም።

ዝተቐመጡ ኣንፈታት ይኹኑ ዝተበፅሐሎም ስምምዓት ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን ምምሕዳራትን በቢብርኩ ተግባራዊ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።

ብሃይለየሱስ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.