Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ይዛተ ኣሎ

ዋና አፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር  ዶክተር ሙሉ ነጋ፣ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ዶክተር አብርሃም በላይ፣ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩምን ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰን እቲ ዘተ ይመርሕዎ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ካብ ኩለን ክፍላተ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ነበርቲን እውን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ተሳተፍቲ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም።

ኣብቲ ክልል ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር እውን መሓዉሩ ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ምምሕዳር ንከጠናኽር ሓቲቶም።

ሰላምን ድሕንነትን ከተማ መቐለ ንምሕላው ህዝባዊ ፖሊስ ብህፁፅ ብምውዳብ ኣብታ ከተማ ስራሕ ንክጅምር እውን ሓቲቶም።

መንግስቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ብህፁፅ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ምግባሩ ብምግላፅ፥ ኣገልግሎት ኢንተርኔት እውን ስራሕ እንተዝጅምር ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.