Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ሃገራዊ ሃፍቲ ምፍጣር ዘኽእል ቀንዲ ተግባር ኢዩ-ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ(ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ዘድሊ መሰረት ኢነርጂ ብምህናፅ ምዕባለ፣ ዕብየትን ሃገራዊ ሃፍቲን ምፍጣር ዘኽእል ቀንዲ ተግባር ኢዩ ክብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ  ስለሺ በቀለ(ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

መበል 13 ዓመት እምነ ኩርናዕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተነበረሉ “ ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣመራርሐሳ ዝተፈላለያ ውዳበታት፣ ነህንፀት እቲ ግድብ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ኣባላት ዲያስፖራ ተረኺቦም።

ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር)፥ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ዜጋ ሃፍቲ፣ ፈልጠትን ግዘን በምትሕብባር ዝሃንፆ ዘሎ ፍሉይ ፕሮጀከት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ህንፀት ኢኮኖሚ ሃገርና ኣብ ምምዕባል ኢሉ እውን ነህዝቢ ዘድልዩ መሰረት ኢነርጂ ብምህናፅ፥ ምዕባለ፣ ዕብየትን ሃገራዊ ሃፍቲን ምፍጣር ዘኽእል ቀንዲ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግድብ ህንፀቱ ክሳብ ዝዛዘም ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.