Fana: At a Speed of Life!

ጎስጓስ ፅሩያት ትካላት ጥዕና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ብብርኪ ሃገር ፅርየት ከባቢ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ጎስጓስ ፅሩያት ትካላት ጥዕና ወቅብቲ ኢትዮጵያ ኣጀሚሩ።

እቲ ጎስጓስ፥ “ፅሩያት ትካላት ጥዕና ወቅብቲ ኢትዮጵያ ንዝተማልአ ጥዕና” ዝበል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሆስፒታላት ፅሩያት ብምግባር ጥዕንኡ ዝተሓለወ ህዝቢ ንክህሉ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኸነ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ ሆስፒታላት ቅዱስ ጴጥሮስን ኣለርት ስፔሻላይዝድን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ዘጀመሮ ጎስጓስ፥ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብብርኪ ሃገር ናይ ዝተጀመረ ጎስጓስ “ውቅብቲ ኢትዮጵያ” ኣካል ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.