Fana: At a Speed of Life!

ጎንደር ኣብ በዓል ጥምቀት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣጋይሽ ንምቕባል ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረት ተሓሩ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በዓል ጥምቀት ክሳብ 2 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኢኮኖሚ ካብ ዘፈር ቱሪዝም ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ መምርሒ ባህሊን ቱሪዝምን ከተማ ጎንደር ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ቻላቸው ዳኜ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ÷ ኣብ እዋን በዓል ጥምቀት ናብ ሓደ ሚሊየን ዝፅጋዕ በፃሒ ናብ ጎንደር ከምዝመፅእ ትፅቢት ኣሎ።

ነዚ ድማ ልዕሊ 400 ሆቴላትን ድንኳን ዝንበረሎም ቦታታት ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ከከም ዓቕሚ እቶም ኣጋይሽ ኣማራፂታት መዕረፊ ቦታ፣ ምግቢን ስተን ከምዝተሰናደአ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብዚ በዓል ጥምቀት ክሳብ 2 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኢኮኖሚ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.