Fana: At a Speed of Life!

ጓል 4 ዓመት ሕፃን ዝደፈረ ውልቀ ሰብ ብ20 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሳውላ ከተማ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሕፃን ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ዝፈፀመ ውልቀ ሰብ ብ20 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲኑሉ።

መተሓባበሪ ዳይነት ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ከተማ ሳውላ ሸሪፍ ጂብሪል ከምዝገለፁዎ÷ ተጠርጣሪ መንእሰይ ነታ ህፃን 1 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣገዲዱ ብምድፋር ገበን ከምዝፈፀመ ብመረዳእታ ዓቃቢ ሕጊ ተረጋጊፁ፡፡

ብምዃኑ እቲ ውልቀ ሰብ ብኣርባዕተ ዓመት ፅነኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተወሰኖ ምግላፆም ደሬቴድ ፀብፂቡ፡፡

ዋና ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፍሉይ ጉዳያት ገበን ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ሳውላ ኣይተ ማስረሻ ሰለሞን ብግደኦም÷ እቲ ውሳነ በቲ ሕጊ መሰረት ግቡእ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.