Fana: At a Speed of Life!

ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኣፍጋኒስታን ዝገብሮ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝገብሮ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ስምምዕ ሰላም ዝፈረመ እቲ ጉጅለ፥ ድሕሪ ክልተ መዓልቲታት እዩ ነዚ መግለፂ ሂቡ ዘሎ ተባሂሉ።

ጣሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ቀፃሊ ዘተ ሰላም ምክያድ ዝሓውስ ውዕል ዝፈረመ እንትኸውን፥ ቅድሚ እቲ ውዕል ምፍራሙ ጎንፂታት ነክዮም ከምዝነበሩ ይግለፅ።

ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ግን፥ ብመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝተኣሰሩ ኣስታት 5 ሽሕ ኣባላቱ እንተዘይተፈቲሖም እቲ ዘተ ሰላም ከምዘይቅፅል ሓቢሩ።

ጣሊባን ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣካል እቲ ብምትሕብባር ኣሜሪካ ኣብ ኳታር ዝተፈረመ ስምምዕ ከም ዝኾነ ይገልፅ።

ፕሬዚዳንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ብግደኦም፥ ከምኡ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘይነበሩ ገሊፁ።

“ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣብ ድልየት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዝድረኽ እምበር ዘተ ንምክያድ ከም ቅድመ ኩነት ክቕመጥ ዝኽእል ኣይኮነን” እውን ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.