Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምንጋስ ዝግበሩ ፃዕሪታት ከምእትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምንጋስ ዝግበሩ ፃዕሪታት ከምእትድግፍ ገሊፃ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሰላመን ጉዳይ ወፃኢን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዶክተር ዲማ ነገዎ ምስ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ጉዳያት ኣውሮፓን ርክብ ወፃኢ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ጣሊያንን ፒየሮ ፋሲኖ  ኣብ ሮም ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘሕገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዶክተር ዲማ ነገዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣብሪሆም።

ካብ መረበቶም ነዝተመዛበሉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ብዛዕባ ዝግበረሉ ኩነታት፣ ተሓታትነትግህሰት  ሰብኣዊ መሰል ምንጋስን ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዘተ ብዛዕባ ምግባርን ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ፒየሮ ፋሲኖ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ንኢዶም።

ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምንጋስ ዝግበሩ ፃዕሪታት ከምእትድግፍ እወን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.