Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ምስ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ ተራኺቡ – ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ምስ ብሄራዊ ቋት (ግሪድ) ሓይሊ ናይ ምርኻብ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተሰርሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጣቢያ ምስ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ (ግሪድ) ዝራኸበሉ መስመር ብምቁራፁ ንኣዋርሕ ሓይሊ ምፍልፋል ኣቋሪፁ ከምዝነበረ ይዝከር።

ካብ 29 መጋቢት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንግዚኡ ምስ ሲስተም እንተይተራኸበ ባዕሉ ብባዕሉ እናተቖፃፀረ ሓይሊ እናሃበ ፀኒሑ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ምስ ግሪድ ንኽራኸብ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መኾኒ – መቐለ ዘሎ መስመር ተከዘ – መቐለ ካብ ዝተዘርገሐ መተሓላለፊ ሓይሊ መስመር ሓይሊ ንኽረክብ ምግባር ተኻኢሉ።

ቅድም ክብል ካብ ኣላማጣ መኾኒ ኣሸጎዳ መቐለ ዝኸይድ መስመር ብዘጋጠመ ፀገም ምኽንያት ኣብ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ከምዝነበረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ክብል ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.