Fana: At a Speed of Life!

ጥምረት ታካላት ሲቪል ማሕረሰብ ዘይሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ መንግስቲ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ብምቅዋም ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ደብዳበ ፅሒፉ

ኣዲስ አበባ ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 300 ኣባላት ዘለዉዎ ጥምረት ታካላት ሲቪል ማሕረሰብ ዘይሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ መንግስቲ ንምቕያር ብሕቡእ ዝግበር ፈተነ ብምቅዋም ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ደብዳበ ፅሒፉ።

እቲ ጥምረት ናብ ግዚያዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክን ፌሌክስ ሺሴኬዲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጋዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ብዝኾነ ናይ ሓይሊ ስጉምቲን ሽርሒን ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ሕብረት ኣፍሪካ ንኹኹንኖ ሓቲቱ።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ካብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ወፃእ ስልጣን ንመሓዝ ዝግበር ፈተነ ናይ ምክልኻል፣ ምኹናንን ናይ ዘይምቕባልን ግቡእ ከምዘለዎ ኢዩ እቲ ጥምረት ኣብ ደብዳብኡ ዝሓተተ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናፃን ድትሓዊን መረፃ ብምክያድ ይኾነና ዝበሉዎ ኣካል ከምዝመረፁ እውን ኣገንዚቡ።

ካብዚ ብተፃራሪ ዘይሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ምዕራባውያንን መንግስቲ ንምቕያር ፈተነ ምግባሮም ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ኣብ ደብዳብኡ ገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ መራሕቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት መሓዙቱን መንግስቲ ምልዓል ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ እናሸርሑ ዘርኢ ተንቃሳቓሲ ምውፅኡ ከም መርኣያ ፀሪሑ።

ሓደሓደ ሃገራት ወፃኢ ነቲ ግብረ ራዕዲ እንትድግፉን ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውጋድ ሽርሂ እንትፍፅሙን፥ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነቲ ተግባር ዝቃወም መግለፂ ከምዘየውፅኡ ገሊፁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.