Fana: At a Speed of Life!

ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዘመሓይሽ ፕሮጀክት 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ዓለም ለኸ ልምዓት ኣሜሪካ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዘመሓይሽ ፕሮጀክት 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዕላዊ ገይሩ፡፡

ዳይሬክተር ልኡኽቶ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ስኮት ሆክላንድን ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማን ነቲ ፕሮጄክት ዕላዊ ገይሮምዎ፡፡

እቲ መርሃ-ግብሪ÷ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ኢትዮጵያ ከምዝትገበር እውን ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተፈለያ ክልላት ድማ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሲዳማ፣ ማኣኸላይ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

ኣብ ገፀር ክፋል ኢትዮጵያ ተቓላዕቲ ንዝኾና ኣዴታትን ህፃናትን ዘጥቅዑ ማለት እውን ምፍሳስ ደም ኣዴታት ድሕረ ወሊድ፣ ሕማም ሳንቡእ ዕሸላት ህፃናትን መሰል ሕማማትን ንምቁፅፃር ዘኽእል መርሃ-ግብሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጄክት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተረፉ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዘካትት ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.