Fana: At a Speed of Life!

ጦር ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ወታደራዊ ወፍሪ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊታት ኣጥቢወቑ የኽብር – ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ወታደራዊ ወፍሪ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊታት ኣጥቢወቑ ከምዘኽብር ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሹልዝን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ኣብ ዘላ ወታደራዊ ወፍሪን እቲኲናት ስዒቡ ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ቅልውላው ምግቢን ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ወታደራት ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዘካይዱዎ ወታደራዊ ወፍሪ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊታት ኣጥቢቖም ከምዘኽብሩ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዝሕሓል እናተርኣየሉ ዝርከብ ድርድር ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን ክቕፅል ንምግባር ሞስኮ በራ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡

ምዕራባውያን ንዩክሬን ዘቕርቡዎ ሓገዝ ኣፅዋር ዝተጀመረ ኲናት ብዝበለፀ ካብ ምብእኣሱ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዞባ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቀውሲ ከስዕብ ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቖም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝተወለዐ ቅልውላው ሕፅረት ምግቢ ቀንዲ መበገሲኡ ምዕራባውያን ዝኽተለኦ ዝተዛበዐ ፖሊስ ኢኮኖሚን ፋይናንስን ውፅት ከምዝኾነ ፑቲን ኣብሪሆም፡፡

ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ሩሲያ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃም እኽሊ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ድልውቲ ኢያ ምባሎም ሺንዋ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.