Fana: At a Speed of Life!

ጦር ጀነራላት ህወሓት ቀረፅ እንተይተኸፈለሉ ዝኣተወ ጓማን መሰል ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ብወታደራዊ መኻይን ፅዒኖም ይሸጡ ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ጀነራላት ህወሓት ቀረፅ እንተይተኸፈለሉ ዝኣተወ ጓማን መሰል ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ብወታደራዊ መኻይን ፅዒኖም ይሸጡ ከምዝነበረ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝመርሐሉ እዋን፥ ንግዲ ባንኪ፣ ባንኪ ልምዓትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን እናዘረፈ ኢኮኖሚያዊ ሽርሒ ብምፍጣር ፍልፍል ገንዘብ ገይሩዎም ከምዝፀንሐ ኣቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ነግብረ ራዕዲ ህወሓት ሰባትን ኣብ ዘይሕጋዊ መስመሮም ንዝስርሑ ኣካላት መለክዒ ልቓሕ ባንኪ ዘየማልኡ ኣካላት ልዑል ልቓሕ ዝወስዱሉ፤ ሕጋዊ መስመር ተኸቲሎም ዝነግዱ ዜጋታት ድማ ልቓሕ ተኸልኪሎም ንግዶም ከየደንፍዑ ዝተፀንዐ ፅዕንቶ ዝግበረሉ ዝተዛበዐ ሚዛን ኢኮኖሚ ንኽፍጠር ገይሩ ምፅንሑ ኣብሪሆም።

እቲ ሽርሒ ፍርያት ሓቢእኻ ምኽዛን፣ ዋጋ ንምውሳን ከምኡ እውን ቀንዲ መስመር ንግዲ ንምቁፅፃር ዘኽኣለ ሓደገኛ ምስሊ ሽርሒ ከምዝነበረ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.