Fana: At a Speed of Life!

ፀላኢ ብዝመረፆ ሜላ ውግእ ልዑል ክሳራ ይበፅሖ ኣሎ – ሚኒስቴር ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝመረፆ ሜላ ውግእ ልዑል ክሳራ እናበፅሖ ከምዝኾነ ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣፍሊጡ።

እቲ ዳይሬክቶሬት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ክዝሓበሮ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ህፃን ክሳብ በፃሓት ብምንቅስቓስ ዘለን ዘየለን ሓይሉ ኣብ ወሎ ኣንፈት መርሳን ብጭፍራ ሃራን ከምዘዋፈረ ገሊፁ።

ሃገር ናይ ምፍራስ ሕልሙ ኣዝመራ ናይ ሓረስታሕ ዓፂዱ ካብ ምውሳድን ንብረት ካብ ምዝራፍን ከምኡ እው ካብ ምዕናው ብተወሳኺ፤ ልዑል ሓይሊ ሰብን ሃፍቲ ሃገርን ኣለዎ ኢሉ ኣብ ዝመረፆ ኣንፈት ሃይቅ ተኸቲሉ ንምእታው ኣብ ኩሎም ግምባራት ውግእ ከምዝኸፈተ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ፀላኢ ብቀንዱ ሓይሉ ብሰለስተ ኣንፈታት ከፋፊሉ ከምዘሰለፈ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ አቲ ቀዳማይ ኣብ ግምባር ዝዋጋእን ብሓይሊ ሰብ ልዕልነት ወሲዱ ድሌቱ ንምዕዋት እናፀዓረ ከምዝኾነ፣ ካልኣይ ድማ ናይ ቀረባ ድጋፍ ዝህብ ኮይኑ ዝትክእ፣ ቁሱል ዘልዕል፣ ሃፍቲ ህዝቢ ዘሪፉ ዝሓብእን ዘዕኑን ኮይኑ ዝተወደበ ከምዝኾነን እቲ ሳልሳይ ድማ ንቀፃሊ ወፍሪ ተዳሊዩ ዝፅበ ገይሩ ከምዝተወደበ ገሊፁ።

ሓይሊ ወገን ድማ ሒሳብ ውግእ ዝወራረድ ብዘሰለፍካዮ ቁፅሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝተረፈ ሓይሊ ከምዝኾነ እውን ብምፍላጥ ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ቀፃሊ ኲናት ክፃወር ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት እናደምሰሶ ይርከብ ኢሉ።

ድሌት ፀላኢ ከሓድቲ መራሕቱ እውን መዓልቲ ቆፂሮም ኣብዚ መዓልቲ ክንኣቱ ኢና፤ ከምዚ ክንገብር ኢና ዝበሉዎ ድሌቶም ብሰራዊት ምክልኻል እናተመከተ ከምርከብ ተገሊፁ።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ክልላት ዝገበሩዎ ተጋድሎን ሓገዝ ህዝቢን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፣ ናብ ደሴን ኮምቦልቻን ሸሊኾም ዝኣተዉ 17 ናዕቢ ፈጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ንሓይሊ ምድሪ ካብ ዝህቦ ድጋፍ ብተወሳኺ ብዕምቆት እናኣተወ መሳርሒታት፣ መኸዘኒ፣ መፀገኒ ቦታታት፣ ማእኸል መሰልጠኒ፣ መእዘዚ ጣቢያታትን ቀረብ ሎጂስቲክስ ዘቕርቡ ተሸከርከርቲ ከምኡ እውን ከበድቲ መሳርሒታቶም ከዕኑ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

እዚ ድማ ብጥንቃቐ ተፀኒዑ ዝተፈለየ ወታደራዊ ዕላማ ስለዝኾነ፥ ፀላኢ ኣውያቱ ከስምዕ ዝገበሮ ዕዉት ውቅዒት ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.