Fana: At a Speed of Life!

ፀሎተ ሓሙስ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት እናተኸበረ ክውዕል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2016(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓሙስ ፅግቦ(ፀሎተ ሓሙስ) ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት እናተኸበረ ክውዕል ኢዩ።

ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ተኸቢሩ ዝዉዕል ኢዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ መዓልቲ እግሪ ሃዋሪያት ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትና ዘምሃረሉ ስርዓት ብምዝኽኻር እዩ እቲ በዓል ዝኽበር።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይ ብፁኣን ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ናይ ቆሞሳት፣ ካህናት ናይ ምእመናት እግሪ ብምሕፃብ ኣርኣያ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ስርዓት ክፍፅሙ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ሰርዓት ክኽበር ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.