Fana: At a Speed of Life!

ፀብፃብ ዳህሳስ መፅናዕቲ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀብፃብ ዳህሳስ መፅናዕቲ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ናይሮቢ ዕላዊ ኮይኑ።

ማዕቐፍ ምትሕብባር ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ምሕደራ ፍልሰተኛታት ይኹን ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ክጠናኸሩ ምግባር፤ ንመላእ ኣፍሪካ ሓርካ ጠጠው ናይ ምባል ዓምዲ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዞባ÷ ሰባት፣ ናውቲን ኣገልግሎታትን ብናፅነትን ክዘዋወሩ ምግባር፤ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምትእስሳሩ ብዝበለፀ ዘጠናኽርን ንሰላምን ድሕንትን እቲ ዞባ ብሓባር ጠጠው ንምባል ዕድል ዘስፍሕ ከምዝኾነን ተመልኪቱ፡፡

እቲ ፀብፃብ÷ ሃገራት እቲ ቀጠና ኩነታ ፍልሰተኛታት ብሓባርን ብንፅልን ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ ዝገብረኦ ፃዕሪ ናብ ሓደ ንምምፃእ ከም ፍኖተ ካርታ ብምዃን ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፀብፃብ እቲ መፅናዕቲ ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት፣ ብኢጋድን ብኮሙዩኒቲ ምብራቕ ኣፍሪካን ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.