Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ኣፍሪካ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ትክክለኛ ኣንፈት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ኢዩ – ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ኣፍሪካ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ትክክለኛ ኣንፈት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ።

እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መናእሰይ ኣፍሪካ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ።

ኣባሳደር ተስፋዬ ይልማ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ ኣፍሪካዊ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ብዙሓት ዓቕሚታት ኣለዉ፡፡

እታ ኣህጉር ብቐፃሊ ዝመርሑ መናእሰይ ሕድሕዳዊ ርክቦም ብምጥንኻር ንሓበራዊ ውፅኢት ክሰርሑ ይግባእ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣህጉር ኣፍሪካ ትውከለሉ ስርዓት ዳግም ከልረአ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዛዲግ ኣብረሃ፤ ሓሳብ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ታሪኽን ብዝብል ርእሲ መዛተዪ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.