Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ጥዕና ከስዕቡ ዝኽእሉ ኣፋውስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይከፋፈሉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዑልፀገም ጥዕና ከስዕቡ ዝኽእሉ ኣፋውስ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተኸፋፈሉ ምዃኖም በዓል መዚ ምቁፅፃር ኣፋውስን ምግቢን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ወይዘሪት ሄራን ገርባ፥ ሕብረተሰብ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ፍርያታት ኣፋውስ ፅሬቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝፈርዩ ኣፋውስ ዝሐሹ ኢዮም ኢሉ ከምዝኣምን ብምሕባር፤ እቲ ሓቂ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብብርኪ ዓለም ሓደገኛታት ተባሂሎም ዝተፀርሑ ዝኾነ ይኹን ፈዋሲ ንጥረ ዘይብሎም ወይ እውን ዝተማለአ ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ዘለዎም ንጥረ ነገራት ዘይብሎም ኣፋውስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኸፋፈሉ ከምዝኾኑ እተን ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሀን።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዝተገበረ ጥንኩር ስራሕ ንጥረ ነገሮም ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑ ኣፋውስ ኣብ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሚኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

እቶም ኣፋውስ ብዶብን ብመገዲ ኣየርን ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ከምዝኾኑ እውን ተዛረነበን፡፡

ነጋዶ ዘይሕጋዊ ኣፋውስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብሕቡእ ብስልኪን ማሕበራዊ ሚዲያን እናከፋፈሉ ስለዝኾኑ፥ ንምቁፅፃር ከቢድን ንሓደ ኣካል ጥራሕ ዝግደፍ ከምዘይኮነን ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ከምዝሓትትን ምግላፀን ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.