Fana: At a Speed of Life!

ፃዕርና ንክሰምር ሓቢርኩሙና ንዝሰራሕኹምን ንዝደገፍኩሙናን ኩሉኹም ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ምስጋናይ ይብፃሕኹም- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሽልማት ብልፅቲ መራሒት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ተዓዊተን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ፃዕርና ንክሰምር ሓቢርኩሙና ንዝሰራሕኹምን ንዝደገፍኩሙናን ኩሉኹም ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ምስጋናይ ይብፃሕኹም ኢለን።

እቲ ሽልማት፥ መቐመጢኡ ኣብ እንግሊዝ ዝኾነን በቢዓመቱ ኣብ ኣፍሪካ ዝበለፀ ውፅኢት ዘመዝገቡን ኣፍሪካዊያን መራሕቲ ዝሽልም መፅሄት ሊደርሺፕ ኣፍሪካ ዘሰናድኦ ኢዩ።

ነዚ ዝተዓወታ፥ ፈላመይቲ ጓል ተንስተይቲ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ምዃነን ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ግዕዝይና ብምቅላስ፣ ትካላዊ ሪፎርምታት ብምትግባር፣ ሰናይ ምምሕዳር ብምንጋስ፣ ብብስለት ኣመራርሓ ከምኡውን ነበርቲ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ብምስራሕ ውፅኢታዊት ከምዝኾና ተገሊፁ።

ነቲ ሽልማት ካብ ኢድ ነበር ፕሬዚዳንት ታኒዛኒያ ዶክተር ጃካያ ኪኪዌቴ ዝተረከባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ነዚ ብምብቀዐን ክብሪን ሓጎስን ከምዝስመዐን ገሊፀን።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.