Fana: At a Speed of Life!

ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምሕላው ዓሊሙ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም መምህራን ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምሕላው ዓሊሙ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም መምህራን ስልጠና ይወሃቦም ከምዘሎ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ዩንቨርስቲ ጋምቤላ “ፅሬት፣ ኣግባብነት፣ ፍትሓውነትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንሀንፀት ሰላምን ዴሚክራሲን ኢትዮጵያ” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናድኦ ሃገራዊ ኮንፈረንስ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ  መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር አታክልት ገብረኪዳን፥ፅሬት ትምህርት ንምምሕያሽ ካብ ክለሳ ስርዓተ ትምህርቲ ጀሚሩ ብዙሓት ስራሕቲ ይሳለጡ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ኣቕርቦትን ተበፃሕነትን፣ ፍትሓውነትን ተሳትፎን፣ ፅርየትን ኣግባብነትን  ከምኡውን ውሽጣዊ ብቕዓት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ዓቕሚ መምህራን ብምጉልባት ፅሬት ትምህርቲ ንምሕላው ዓሊሙ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መምህራን ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ እውን ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.