Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ንዝካየድ ህዝባዊ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ናብ ድሬዳዋ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንዝካየድ ህዝባዊ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ናብታ ከተማ ኣቲዮም።

ፅባሕ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ 20 ከተማታት ህዝባዊ ልዝባት ክካየዱ ኢዮም፡፡

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝካየድ ህዝባዊ ዘተ ንምምራሕ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ፀጋዬ ማሞን ናብታ ከተማ ኣቲዮም፡፡

እቶም ሓለፍቲ ናብ ድሬዳዋ እንትኣትዉ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከድር ጁሃር ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.