Fana: At a Speed of Life!

ፆም ኣርባዓ ንዝተመዛበሉን ብድርቂ ንዝተጎድኡን ወገናት ሓገዝ ንገብረሉ ክኸውን ይግባእ – ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፆም ኣርባዓ ንዝተመዛበሉን ብድርቂ ንዝተጎድኡን ወገናት ሓገዝ ንገብረሉ ክኸውን ከምዝግባእ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ ኣገንዚቦም።

ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ ምእታው ዓቢዪ ፆም ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ምእመናን ተኸተልቲ እምነት ኦርተቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳ ኣብ ፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ፥ “ብድርቂን ጎንፂን ንዝተጎድኡ ወገናት ካብ ዘለና ብምክፋል ተኻፈልቲ ፀገሞም ክንከውን ይግባእ” ኢሎም፡፡

ህዝበ ክርትያን ዓቢዪ ፆም ሓይሊ ወሃብቲ ካብ ዝኾኑ ምግቢታት ብምኽልካል ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ጎንጺን ፅልኢን ብምርሓቕ ከሕልፎ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

“እቲ እዋን ፆም፤ ምእመኑ ንስሃ ዝኣትወሉ፣ ፅልኢ ካብ ህሊንኡ ዘወግደሉ፣ ፍቕሪ ብምእላሽ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርበሉ ክኸውን ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ህዝበ ክርስቲያን ኣብቲ እዋን ፆም ንሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ክፅሊ ክዝግበኦ እውን ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብቅድስት ብርሃኑ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.