Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ብሄራዊ ጉባኤ ምዘና ትምህርቲ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ ብሄራዊ ጉባኤ ምዘና ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓታት ምዘና ትምህርቲን ኣወሃህባ ፈተናን ምልዋጥ፤ ናይ ፅባሕ ትልሚታት ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ምዘና ትምህርቲን ፈተናታትን እሸቱ ከበደ (ዶ/ር)ን ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም፡፡

ውፅኢታውነት ተምሃሮ ንምዕባይ÷ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምዘና ትምህርቲ፣ ሃገር ለኸ ፈተናታትን ምዘና ትምህርቲን ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ሓደሽቲ ሓሳባትን ተሞክሮታትን ትኹረት ብምግባር ዘተ ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንክልተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.