Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ በዓል ምስረታ ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል  ብርሀኑ ጁላ በዓል መበል 95 ዓመት ምስረታ ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም፥ ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ሉኡላዊነት ሃገሩ፣ ፀጥታን ረብሓን ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ንሰላምን ምርግጋዕን ዓለም ንዘለዎ ግደ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ÷ ቻይናን ኢትዮጵያን ንብዙሕ ዓማውቲ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ሕውነት ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዝተደረኸ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ባህሊ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ልዑል ምዕባለ እናርኣየ ከምዝመፅአ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.