Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዓቕሚ ድልዉነትን ምንቅስቓስ ስራሕን ዋና መምርሒ ምክልኻላልን ሎጂስቲክስን ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዓቕሚ ድልዉነትን ምንቅስቓስ ስራሕን ዋና መምርሒ ምክልኻላልን ሎጂስቲክስን ተዓዚቦም።

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝተመርሐ ዑደት÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴርን ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊትን ተሳቲፎም።

ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጄነራል ኣበባው ታደሰ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ፣ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፣ ሓላፊ ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ሌተናል ጄኔራል ኣብዱራህማን እስማኤልን ካልኦትን ተረኺቦም ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ዓቕሚ ድልዉነትን ምንቅስቓስ ስራሕን ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ምክልኻላል ከምዝጎብነዩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ÷ ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ምክልኻል ዝወገኖም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ፈጠራ ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ምክልኻል ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መሃንዲሳትን ሙያተኛታትን ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ፡፡

መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል 15 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ንመበል 16 ግዘ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.