Fana: At a Speed of Life!

ፋና ምስ ዩንቨርስቲ ኣምቦ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩንቨርስቲ ኣምቦ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ኣምቦ ዶክተር ባይሳ ለታን ኣብቲ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮሙሉ።

እቲ ሰነድ ብቐንዱ ምስ ምምሃር መስትምሃር ብተወሳኺ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝፍፀሙ ማሕበረሰብ ተኮር ጉዳያት ብሚዲያ ተበፃሕቲ ንክኾኑ ዘኽአል ኢዩ ተባሂሉ።

ፋና ብሮድካስትንግ ኮርፖሬት እዋናዊ፣ ዘሀድሱን ዘምህሩን ሓበሬታታት ብዘለውዎ ኣማራፅታት ሚዲያ ብቕልጡፍን ፅርየትን ተበፃሕቲ ዝገብር ምዃኑ ነቲ ዩንቨርስቲ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾኖ ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምንባር ክታም ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲት ኣምቦ ኣርባዕተ ካምፓሳትን ሓደ ሪፈራል ሆስፒታልን ዘለዎ እንትኾን፥ ብ67 ክፍሊታት ትምህርቲ ተምሃሮ ብምቕባል እናምሃረ ዝርከብ ኢዩ።

ኣይተ ኣድማሱ፥ እቲ ዩንቨርስቲ ቅድመ ሐዚ ምስ ፋና ትውልዲ ንምህናፅ ዘኽእሉ ሰብ ተኮር ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

ሎሚ ዝተገበረ ስምምዕነት እቲ ትካል ንዝሰርሖም ስራሕቲ ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ ትኹረት ዝሃበ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.