Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር መበል 15 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣተኲሩ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ “ማዕርነትን ሀብረ ብሄራዊ ሓድነትን ንሓበራዊ ምዕባለ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማንነትን ትርጉም ሕገ መንግስቲን ኣይተ ወርቁ ኣዳሙ፥ ብመንፅር ሕገ መንግስቲን ሰርዓት ፌዴራልን ናይ ሎሚ ዓመት መሪሕ ቃል ትርጉም ብዝምልከት ትንተና ሂቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴርን ከምኡውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተሳተፍቲ ከኮይኖም ኢዮም።

ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባት በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር ኢዩ።

ብፈቲያ ኣብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.