Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምድላዋቱ ብቋንቋ ዓረብኛ ኣቢሉ ብቴሌቪዥን ምትሕልላፍ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምድላዋቱ ብቋንቋ ዓረብኛ ኣቢሉ ብቴሌቪዥን ምትሕልላፍ ክጅምር ኢዩ።

ካብ ዝጣየሽ ልዕሊ 25 ዓመት ዘቑፀረን ኣብ ታሪክ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣሰር እናቐመጠ ዝተጓዓዘን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ መበል 25 ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ እዋን ብዓውዲ ቴሌቭዥን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 11 ከተሓላልፍ ኢዩ።

እዚ ንምግባር ዘኽእሉ ምድላዋት እናተፈፀሙ ከምዝፀንሑ ድማ ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ኦፕሬሽን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ሰጠኝ እንግዳው ተዛሪቦም።

መበገሲኡ ድማ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ብቋንቋ ዓረብኛ ኣቢልካ ብምምስንዳእ፥ ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካን ከባቢኡን ንምትሕልላፍ ኢዩ።

ብተወሳኺ ፍትሓዊ ተረባሕነት ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንዝለዓሉ ክትዓት ብዝምልከት ብቋንቋ ዓረብኛ ንዝዛረቡን ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ኢትዮጵያ ንዝሓዘቶ ቅዋም ደው ንዝበሉ ኩሎም ትኽክለኛ መረዳእታ ንምሃብ ብምሕሳብ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ምስ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝናበቡ ስራሕቲ ብምፍፃም፣ ባህሊ ኢትዮጵያ ንሃገራት ዓረብ ንምፍላጥ፣ ምስ ቱሪዝም ብምትሕሓዝ ምስ ሃገራት ዓረብ ባህላዊን ማሕበራዊን ከምኡውን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝብል ሸቶ ዘለዎ ኢዩ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክሳብ ሐዚ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛን ትግርኛት ዝተፈላለዩ ምድላዋታት እናቕረበ ምፅንሑ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.