Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብቐጥታ ምስ ሃገርና ህዝቢናን ዝራኸብ ስራሕ ሒዙ ክቕፅል እዩ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ብቐጥታ ምስ ሃገርና ህዝቢናን ዝራኸብ ስራሕ ሒዙ ክቕፅል እዩ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ተዛሪቦም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፆ ሓዱሽ ዘበናዊ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብቲ ስነ -ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ፋና ኣብ ሚዲያ ኢንዱስትሪ እዛ ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዙሕነት ውቁብ ሕብሪ፣ ንምቅርራብ ስነ ልቦናን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽርን ኣሰር ምንባር እዩ፡፡

ካብ ፍሬ ኣልቦ ሓሳባት ጥንክር ዝበሉ ዜናታትን ትንታኔታትን ምስራሕ ዝብል ሓሳብ ብምምራፅ፣ ሓሳብ ገዚኡ፣ ሓሳብ ሸይጡ ፣ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሃገራዊ መልክዕ ሃሊዩዎን ምርድዳእ ብምፍጣር ብዝሃ ሓሳብ ኣተናጊዱ መሪሕ ምዃን ኢሉ እውን ትርፊ ምርግጋፅ ልኡኽቶን ሸቶን ፋና ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ምቹው፣ ሰሓባይን ዝፍቶን ስራሕን ቦታን ምፍጣር ኣብ ከይዲ ለውጢ ህንፀት ትካላት ዓምዲ እዩ” ዝበሉ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፥ መሰል ስቱዲዮ ካብ ሓደ ዓመት ብዝሓፀረ ግዘ ከምዝተሃነፀ ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ ስቱዲዮም ፅባሕ ንእሰርሖም ተስፋታት ብዙሕ ይገልፅ ዝበሉ ኣይተ ኣድማሱ÷ ብቐጥታ ምስ ሃገርን ህዝቢን ዝራኸብ ስራሕ ሒዙ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ሚዲያ ብዘይ ኣድማፂን ተመልካቲን ባዶ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ “ኣብ ዝመፃእናዮም 29 ዓመታት እሙናትን ንቑሓት ተሳተፍቲን ኣለዉና፤ ኣብዞም ዓመታት ሓቢርኩምና ስለዝነበርኩም ነመንግን” ኢሎም፡፡

“ሓቢርኩምና ትሰርሑ መሓዙት ትካላት ሕዚ እውን ሓቢርና ንቐፅል” ክብሉ ፀዊዖም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.