Fana: At a Speed of Life!

ፋዉንዴሽን ቢል ኤንድ ሚልንዳ ጌትስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ፕሮግራም ልምዓት ፋዉንዴሽን ቢል ኤንድ ሚልንዳ ጌትስ ቀዳማይ ደረጃ ሸቶ ክንክን ጥዕና ንምዕዋት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ÷ ጎድና ጎኒ ኣብ ቦትስዋና እናተኻየደ ዝርከብ መበል 73 ዓለም ለኸ መድረኽ ጥዕና ኣህጉር ኣፍሪካ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፋዉንዴሽን ቢል ኤንድ ሚልንዳ ጌትስ ዶክተር ክርስቶፈር ኤልያስ ተዛቲዮም፡፡

ዶክተር ደረጀ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይ ከምኡ እውን ሕምም ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘመዝገበቶ ዘዕግብ ውፅኢት ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብሪሆም፡፡

ግልጋሎት ክታበትን ትልሚ ስድራን ተበፃሒ ብምግባር ተረባሕነት ሕብረተሰብ ኣብ ምድንፋዕ ግደ ሚልንዳ ጌትስን ሓዊሱ ካልኦት መሓዚ,ዙት ትካላት  ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ዶክተር ክርስቶፈር ኤልያስ ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ጥዕና አዴታትን ህፃናትን ኣብ ምምሕያሽ ለበዳ ሕማማት ሓዊሱ ሕማማት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ገሊፆም፡፡

ፋዉንዴሽን ቢል ኤንድ ሚልንዳ ጌትስ ቀዳማይ ደረጃ ሸቶ ክንክን ጥዕና ንምዕዋት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Tigray

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.