Fana: At a Speed of Life!

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 220 ሚሊየን ብር በጀት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ እናተኻየደ ዝነበረ መበል 27 ስሩዕ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ን2016 ዓ.ም ዝውዕል ልዕሊ 220 ሚሊየን ብር በጀት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።

እቲ በጀት በጀት÷ ብስልጠና ከምኡ እውን ንስፖርታዊ ውድድራት ዝውዕ ምዃኑ ተገሊፁ።

ፕሮጀክት ስልጠና መናእሰይ በቲ በጀት ክትካእ ከምዝግባእ እውን ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተስማዕሚዖም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብዝበለፀ ክብ ንምባልን ፍልፍል ኣታዊ እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕን ምስ ፌዴሬሽን ክልላት ብምውዳድ ክስራሕ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ብግደኦም÷ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፅበዮ ውፅኢት ዘምፅኡ ኣትሌታት ብበዝሒ ንምፍራይ ክልላት ምስ ፌዴራል ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኣጠቓቕማ በጀትን ስነ ምግባር ስፖርትን ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.