Fana: At a Speed of Life!

ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ በለስ ተንሳፋፊ ሳዕሪን ሕፅረት ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑትን ስግኣት ከምዝኾኑዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ በለስ ተንሳፋፊ ሳዕሪን ሕፅረት ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑትን ስርሑ እናተኣጎሉዎ ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ ጣቢያ ኣይተ ፍቓዱ ደምሴ ገሊፆም።

ናብ መቐበሊ ማይ እቲ ጣቢያ ዝመፅ ተንሳፋፊ ሳዕሪ ንስራሕቲ ኦፕሬሽን እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ልዑል ስግኣት እናኾነ ምምፅኡ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ጣቢያ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ በለስ ብምኽንያት እቲ ተንሳፋፊ ሳዕሪ ካብ 9 ክሳብ 11 ሓምለ 2012 ዓ.ም ሓይሊ ምፍልፋል ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተፍቓዱ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ልዕሊ 10 መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጣቢያ መሊሱ ስራሕ ንኽጅምር ኤክስካቫተር ብምክራይን ሓመሳ ብዝኽእሉ ሰራሕተኛታት እቲ ጣቢያን ብምጥቃም ነቲ መቐበሊ ማይ ዝዓፀዎ ሳዕሪ ብምውጋድ ስራሕ ክጅምር ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

በቢእዋኑ ናብቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ዝመፅእ ተንሳፋፊ ሳዕሪ ዘላቒ መፍትሒ እንተዘይተገይሩሉ፥ እቲ ጣቢያ ክሳብ ምዕፃው ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተጋህመሰ ንዝመፅእ ሳዕሪ ንምውጋድ ንግዚኡ ጀልባ ብምክራይ ስራሕቲ ምክልኻል እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤልክትሪክ በለስ ከም መብዛሕተኦም ጣቢያታት ፀገም ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑት ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ቅልጡፍ መፍትሒ ክወሃበሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤልክትሪክ በለስ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኢትጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ አርናበርከተ ዝርከብ ጣቢያ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.