Fana: At a Speed of Life!

ፍራንዝ ቤከንባወር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ምዕራብ ጀርመንን ጋንታ ባየርሙኒክን ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ 78 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ቤከንባወር ጀርመን ብ1974 ፅዋዕ ዓለም እንትተልዕል ንሃገራት ጋንታኡ ብኣምበልነት ክመርሕ ዝኸኣለ እንትኸውን÷ ኣብ 1990 ድማ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብምዃን ፅዋዕ ዓለም ከልዕል ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኮኸብ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ፍራንዝ ቤከንባወር÷ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ምዕራብ ጀርመን 104 ፀወታታት ክስዕር ከምዝኸኣለ ይግለፅ፡፡

ጀርመናውያን፣ ናይ ጋንታ መሓዙቱን ዓለም ለኸ ቤተሰብ ስፖርትን ብሕልፈት እቲ ነበር ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ሓዘኖም እናገለፁ ይርከቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.