Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ቢዝነስ ኣውሮፓ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ቢዝነስ ኣውሮፓ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ኣቦ መንበር እቲ ፎረም ሚስተር ቤን ዲፓራትሬ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሰመሬታ ሰዋሰው ፀብፃብ ስራሕ 2021 እቲ ትካል ዕላዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኢዩ ክቲ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ሰመሬታ ሰዋሰው፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፎረም ቢዝነስ ኣውሮፓ ናይ ነዊሕ እዋን ሽርክናኡ ንምጥንኻር ባህጊ ከምዘለዎ ሓቢረን።

ብፍላይ እቲ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ውልቀ ዓውዲ ብምጉልባት ትኹረት ምግባር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ መንግስቲን ውልቀ ዓውዲን ልምዲ ልውውጥን ናይ ሓባር ምኽክርን ንክህሉ ዝገብር ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ብምዕባይ ፣ ማዕቐብ ቁፅፅር ኣብ ምምሕያሽን ዓውዲ ውልቀ ዝድግፉን ትካላት መንግስቲ ትኹረት ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

ኣቦ መንበር እቲ ፎረም ሚስተር ቤን ዲፓራትሬ ብግደኦም፥ ፎረም ቢዝነስ ኣውሮፓ ናይ ውልቀ ሴክተር ፀገማት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃናፂን ግልፅን ዘተ ብምግባር ፀገማት ንምፍታሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.