Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ፕሞሽን ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ፕሞሽን ቱሪዝም ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ ጥንታዊት ምድሪ ሃገር” ብዝብል ቴማ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሄናን ተሳሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽን በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ኣብቲ 14 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ዝተሳለጠ ፎረም ተረኺቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፥ እቲ ፎረም ቱሪዝም ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ቱሪስታትን ትካላት መጎብነይቲን ቻይና ብዛዕባ ቱሪዝም ኢትዮጵያ፣ ቦታታት ቱሪዝምን ኣማራፂታት ቱሪዝምን ብቑዕ ሓበሬታ ክህልዎም ንምግባር ተሓሲቡ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ትካላት መጎብነይቲ ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ፓኬጅ ጉዕዞኦም ከእትዉዋ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣብሆም።

ልዕሊ 107 ሚሊየን ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ሄናን፥ መዳርግቲ ኣካላት ቱሪዝም እታ ግዝኣት ብዝዕባ ኢትዮጵያ እኹል ግንዛበ ንኽህልዎም ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ዘለዎ ፎረም ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.