Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ፖለቲካ ከማልእዎም ዝግብኡ ዝርዝር ጉዳያት ክሳብ 3 መጋቢት ከማልኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ንስርዓት ምዝገባ ዝሕግዙ ከማልእዎም ዝግብኡ ዝርዝር ጉዳያት ክሳብ 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም ከማልኡ ከምዝግባእ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ ምዝገባን ምርጫን ፓርቲታት ፖለቲካ 1162/2011 ሃገራዊን ክልላዊን ፓርቲታት ኣብቲ ቦርድ ከማልእዎ ዝግባእ ግዴታ ንምፍፃም ዝወፅአ ቁፅሪ መምርሒ 3/2012፥ እቶም ፓርቲታት ከማልእዎም ዝግባእ ዝርዝር ዛዕባታት ዝሓዘ ሰነድ ብምድላው ነቶም ፓርቶታት ፖለቲካ ክወሃቦም ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሕድሕድ ፓርቲታት ፖለቲካ ከማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ጉዳይ ክሳብ 3 መጋቢት ንከማልኡ እቲ ቦርድ ብፅሑፍ/ደብዳበ ከምዘፍለጠ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ቦርድ ሎሚ መዓልቲ ከምዝገለፆ፥ ክሳብ ሐዚ ሰነዶም ኣታዊ ዝገበሩ ፓርቲታት ቁፅሮም ውሑዳት ኢዮም።

ስለዝኾነ ፓርቲታት ፖለቲካ ከማልእዎም ዝግባኡ ዝርዝር ጉዳያት ክሳብ 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም ብምምላእ ግቡኦም ኣማሊኦም ስርዓት ምዝገባ ክጅምሩ ከምዝግባእ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.