Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፀግና ኦሮሚያ ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምምሕልላፍ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲ ብልፀግና ኦሮሚያ ንኽልተ መዓልቲታ ኣብ እዋናዊ ክልላዊ ኩነታት ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምምሕልላፍ ዛዚሙ።

እቲ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ ዘሳለጡዎ ኣኼባ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ ለውጢ ዝነበሩ ጥንኩራትን ድኹማትን ጎድኒታት ዝገምገመ እንትኸውን፥ ለውጢ ንንምቕፃል ዘኽእሉ ውሳነታት ብምምሕልላፍ ምዝዛሙ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ፍቓዱ ተሰማ ኣብሪሆም።

ከይዲ ለውጢ ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ጥንኩራት ጎኒታቱ ዘነፀረ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ እቲ ኣመራርሓ ሃገር ካብ ዝርከብ ንደሓር ንኢትዮጵያ ክብ ምብትታን ከድሕና ምኽኣሉ፣ ምህዳር ፖለቲካ ክሰፍሕ ምግባሩ፣ ባህሊ ምዝታይን ምክርኻርን ንኽድንፍዕ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዝተገበረ ፃዕሪ ከም ኣብነት ምልዓሉ ኣይተ ፍቓዱ ገሊፆም።

እቲ ናይ ለውጢ ኣመራርሓ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዝነበሮ ፀገም ብምግምጋምን ብምትዕርራይን ካብ ዝነበሮ ፀገም ተናጊፉ ናብ ውፅኢት ንኽመፅእን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዓወት ንኽዛዘምን ከምዝገበረ እውን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ እናተተግበረ ከምዝርከብን ኩሉ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ መርሃግብሪታት ተሳትፉኡ ኣጠናኺሩ እናካየደ ከምዝኾነ ዝገምገመ እቲ ፓርቲ፥ እዚ ተጠናኺሩ ንዘላቒ ልምዓት ብዝሕግዝ መልክዑ ንኽካየድ ኣንፈት ከምዘቐመጠ እውን ገሊፆም።

እቲ ኣኼባ ኣብ ፃንሒቱ፥ ካብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኣብ ዝተፈላለዩ ለኸፋታትን ዝተጨበጡ ተግባራት ጥፍኣትን ብዓላማ ዝተኣሳሰሩ ትካላትን ጉጅለታትን እናተፈፀሙ ከምዝኾን እዚ ድማ ምስ መላእ ህዝቢ ብምዃን እናቕሃመ ቃልሱ ከምዝቕፅል ብምግላፅ፤ ቀንዲ ፈፀምቲ እዚ ተግባር ድማ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ከምዝኾኑ ተመልኪቱ።

እዚ ድማ ኣብ ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባትን ዕንወት ንብረትን፣ ዜጋታት ዘፍረዩዎ ሃፍቲን ንብረትን ምዕናው፣ መሰረተ ልምዓታት ካብ ግልጋሎት ወፃእ ንኽኾኑ ምግባር፣ ኢንቨስትመንት ንክዳኸም ብምግባር ዝግለፅ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዕምቆት ተራኢዩ ኢዩ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ኣኼቡኡ ኣብ ውሽጡ ኣብ ክልተ ቦታታት ደው ዝበሉ ኣመራርሓታት ከምዘለዉ ዝተገንዘበ እንትኸውን፥ ሓበሬታ ብመሃብ፣ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ብምስራሕ፣ ግዕዝይና ንኽስፋሕፋሕ ኣብ ምግባር ዝተሰለፉ ኣመራርሓታት ናይ ምፅራይ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣይተ ፍቓዱ ገሊጾም።

ብመሰረት እዚ ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ካብ ኣባልነት ማእኸላይ ኮሚቴ ከምዝተኣገዱ፤ ንሳቶም ድማ ኣይተ ለማ መገርሳ፣ ወይዘሮ ጠይባ ሓሰንን ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋን ከምዝኾኑ ዕላዉ ገይሩ።

ኣይተ ለማ፥ ዲሲፒሊን እቲ ፓርቲ ብዘይምሕላው፣ ኣፈላላይ ኣብ መድረኽ እቲ ፓርቲ ካብ ምቕራብ ብተፃራሪ መገዲ ካልኦት ኣማራፂታት ብምውሳዶም ከምዝተኣገዱን እዚ ንምፍታሕ ዘተ ተገይሩ ኣብ ስምምዕነት ምስተበፅሐ እውን ናብ ስሩዕ ስረሖም ክምለሱ ብዘይምኽሎምን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዶክተር ሚልኬሳ ሚዳጋ እውን ብተመሳሳሊ ኣፈላላይ ኣብ መድረኽ እቲ ፓርቲ ካብ ምቕራብ ብተፃራሪ መገዲ ካልኦት ኣማራፂታት ብምውሳዶም፣ ምስጢር ናይቲ ፓርቲ ንኻልኦት ሓይሊታት ኣሕሊፎም ብመሃብ ተገምጊሞም ናይ እግድ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈሎም ተሓቢሩ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ተላዒሉ ምስ ዝነበረ ዕግርግር ተተሓሒዙ ዝለዓሉለን ፀገማት ብምህላዎም፣ ናይ ፓርቲ ምስጢር ንኻልኦት ሓይሊታት ኣሕሊፈን ብመሃብ፣ ከምኡ እውን ኣብ መድረኻት እቲ ፓርቲን ኣብ ስሩዕ ስረሐንን ብዘይምርካበንን እገዳ ከምዝተመሓላለፈለን ኣብቲ ኣኼባ ተመልኪቱ።

እቲ ውሳነ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመንፅ ኣሰራርሓ እቲ ፓርቲ ዝተሰወደ ስጉምቲ እንትኸውን፥ ሕጋዊ ጉዳያት ብዝምልከት ድማ ብስሩዕ ናይ ሕጊ ኣግባብ ከምዝረአ ተገሊፁ።

ፓርቲ ብልፅግና ዋላኳ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት እናጋጠሙዎ ይኹን እምበር፥ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ፣ ልምዓትን ሰላምን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተረባሕነት ህዝቢ እናረጋገፀ ከምዝኸይድን እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.